ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ጥንቃቀ ንምግባር ንጽባሕ ረቡዕ ቤት ጽሕፈቱ ዕጽው ምዃኑ ሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ጥንቃቀ ንምግባር ንጽባሕ ረቡዕ 19 መስከረም ቤት ጽሕፈቱ ዕጽው ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ኤምባሲ ነዚ ዘፍለጠ አብ አዲስ አበባ ክግበር ትጽቢት ዝግበሮ ሰልፊ ምዃኑ’ውን ገሊጹ’ሎ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መግለጺኡ ንጽባሕ ረቡዕ ቆጸራ ተዋሂቡ ዝነበረ ንዜጋታት ኣሜሪካ ዝወሃብ ኣገልግሎትን ኹሉ ኣገልግሎት ቪዛን ከምዝተሰረዘ አፍሊጡ’ሎ።

ዜጋታት ኣሜሪካ ናብ ዓምዲ ኢንተርነት እቲ ኤምባሲ ብምእታው ሓድሽ መመልከቲ ከእትው’ውን ሓቢሩ።

ንናይ ኢምግራት ቪዛ ሓተቲ ድማ ዳግማይ ቆጸራ ክሕዙን ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዝወሃቦምን ኢምግራንት ቪዛ ዘይኾነ ሓተቲ ቪዛ ግን ሓድሽ ቆጸራ ክሕዙ ከምዘለዎም ገሊጹ።

ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮም ኣሜሪካዊያን ንመን ክሓቱ ከምዝኽእሉ ንምፍላጥ ናብ ዓምዲ ኢንተርነት’ቲ ኤምባሲ ክከታተሉ’ውን መኺሩ’ሎ።

ኣብ አዲስ አበባ ዝርከብ ማእከል ኣሜሪካን ማእከል ማእከል ሓበሬታን ምርምርን ስታችሞን ድማ ጽባሕ ዕጽው ምኳኑ መግለጺ’ቲ ኤምባሲ ይሕብር።

ኤምባሲ ኣሜሪካ አብ አዲስ አበባ ብተወሳኺ ኣብቲ ሰልፊ ንዝሳተፉ ወገናት ድልየቶም ብሰላማዊ መንገዲ ክገልጹ መኺሩ ሎ።

XS
SM
MD
LG