ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ሰነድ ቃል ኪዳን ተፈራሪሞም


ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ትማሊ ሓሙስ ሰነድ ቃል ኪዳን ተፈራሪሞም። እዚ ኣሰራርሓ ብዓይነቱ ፍሉይ ተባሂሉ’ሎ።

ኹሎም አባላት ኢህወዲግን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ንምንቅስቃስ’ቶም ፓርቲታት ከየተዓናቅፉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣጠንቂቆም ኣለው።

እቲ ዝተፈረመ ሰነድ ቃል ኪዳን ተግባራዊ ምስ ዝኸውን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ስእነት ሰላም ኣዝዩ ከመሓይሾ ይኽእል’ዩ ክብላ አካቢት ቦርድ ምርጫ ወ/ሮ ብርቱካን መዲቅሳ ገሊጸን።

107 ዝኾኑ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ነቲ 20 ዓንቀጻት አለዎም ሰነድ ምፍራሮም ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG