አዲስ አበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ናይ ስነ ሓሳብ ኣፈላላይ ክዕንቀፍ የብሉን ክብል ሰማያዊ ፓርቲ ኣፍሊጡ።
ነዚ ተግባራዊ ንምግባር'ውን ኹሎም ሓይልታት ፖለቲካ ዝኻፈልሉ መድረኽ መንግስቲ ክዳለው ጸዊዑ።
መንግስቲ ብወገኑ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ቆሪጹ ከምዝተላዕለ ይገልጽ።
ሰማያዊ ፓርቲ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺን ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዝረአ ዘይምርግጋእ ከምዘሻቀሎን ገሊጹ።