ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት መብዛሕትኡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝረአ ቅልውላው ፖለቲካ’ዩ' ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ


ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ዳንኤል በቀለ
ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ዳንኤል በቀለ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት መብዛሕትኡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝረአ ቅልውላው ፖለቲካ’ዩ ክብሉ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ተዛሪቦም።

ንምምሕያሽ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ቀንዲ ስጉምቲ’ዩ ዝበሉ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ዳንኤል በቀለ ናይ ሎሚ ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምዃን’ቲ ኮሚሽን ንፈለማ ጊዜ ከምዘኽብር’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ብምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብደረጃ ዓለም ዝኽበር መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ካልኦት ሃገር በቀል ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምዃን ሎሚ ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓሸ’ዩ ኢሎም ከምዝአምኑ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG