ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይዱ ዘለው ፕረ. ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ኢንዳስትሪያል ፓርክ ሃዋሳ በጺሖም


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ናይ ኬንያ ፕረዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ሃዋሳ ኢንዱስትሪ ፓርክ ዑደት ኣካይዶም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ቁጠባዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድያብ ተሰማሚዖም ነይሮም።

ናይ ፕረዚዳንት ኡሁሩ ዑደት እቲ ስምምዕነት ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ክሰጋግሮ እዩ ዝብል እምነት ከምዘሎ ናይቲ ፓርክ ኣካይዲ ስራሕ ኣቶ ፍፁም ከተማ ገሊፆም።

ሎሚ ንወግዓዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ፕረዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ እተን ሃገራት ርክባተን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ንምባል ቁጠባዊ ምትእስሳር ንምሕያል ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG