ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየዱ ፕረ.ኢሳያስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ጌሩ ትማሊ ሰሉስ ናብ ሃገሩ ከም ዝተመልሰ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢስያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ከምዝገበሩ ዝገለጸ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ፥ብዛዕባ`ቲ ዝርርብ ግን ንጹር ሓበረታ ኣይሃበን።

ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከባብታት ዙዋይ ዝርከብ ሕርሻውን ናይ ማይ ልምዓትን ፕሮጀክትታት ከም ዝተዓዘበ`ውን እቲ ዜና ጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG