ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ ነዳዲ 20 ሚእታዊት ወሲኹ


ፋይል
ፋይል

ዋጋ ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ ብ20 ሚእታዊት ወሲኹ። መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ይገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምልዓሉ፣ ኣብ’ታ ሃገር ዝነበረ ቁጠባዊ ጸገም ንክዓሙቅ ጠንቂ ኮይኑ ከምዘሎ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

መንግስቲ፣ ነቲ ይልግሶ ዝነበረ ድጎማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምልዓል ምስጀመረ፣ ዋጋ ነዳዲ ብ30ን 40ን ሚእታዊት ከምዝወሰኸ፣ ዘወርቲ መካይን ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ ስለዘጋጠሞም፣ ኣብ ነዊሕ መስርዕ ኣትዮም ንክጽበዩ ከምዝተገደዱን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኤ.ኤፍ.ፒ ሓቢሩ'ሎ።

ሚንስትሪ ንግዲ’ታ ሃገር ዋጋ ነዳዲ ንዕዳጋ ዓለም ብዘንጸባርቅ ኣገባብ ሓድሽ ዋጋ ነዳዲ ካብ መወዳእታ መስከረም ጀሚሩ ክትግበር’ዩ ከምዝበለ’ውን እቲ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ አሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋ ናፍታ ናብ 58:90፣ ዋጋ ቤንዚን ድማ 57:05 እዩ።

XS
SM
MD
LG