ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ ደራሼ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ሰባት ምሟቶምን አባይቲ ምንዳዱን ነበርቲ ገሊጾም


ሃዋሳ
ሃዋሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ ኣብ ተዳወብቲ ከባቢታት ፍሉይ ወረዳ ደራሼ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ኣባይቲ ከምዝነደደን ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቀትሉን ካብቲ ቦታ ዝተመዛበሉን ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ንደሕንነቶም ብምስጋእ ኣስማቶም ከይግለጽ ዝሓተቱ ነበርቲ ከተማ ሰገን ዞባ ኮንሶ በቲ ጎንጺ ብዙሕ ጉድኣት ምግጣሙን፤ ሎሚ ተዛማዲ ሰላም ምህላዉ ግን ድምጺ ተኹሲ ከምዝስማዕ ተዛሪቦምእለዉ።

ኮሚሽር ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ማሞ ብወገኖም ኣብቲ ዞባ ጎንጺ ከምዘለዉ ብምሕባር ነቲ ጉዳይ ኣጻርዮም ምስ ወድኡ መግለጺ ከምዝህቡ ገሊጾም፥ ብተወሳኺ ካብ ጂንካ ናብ ኣርባምንጭ ክጉዓዙ ዝተጨወዩ ዜጋታት ንምልቃቕ ዝተንቀሳቀሱ ኣባላት ጸጥታ ብዝተኸፍቶም ተኹሲ ዝተቐትሉን ዝቆሰሉን ኣለዉ ክብሉ ሓቢሮም​።​

ፓርቲ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ብዛዕባእዚ ጎንጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ደሕንነት ህዝብን ሃገረን ምሕላዉ ቀዳማይ ተግባሩ ጌሩ ክሰርሕ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG