ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ አማሮ ብዝተፈጥረ ናይ ጸጥታ ጸገምን መጥቓዕቲን ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ምሟቶም ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ኣብ ዝርከቡ ዞባ ኦሞ፣ በንች ሸኮ፣ ጉራፈርዳን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮን ብዝተፈጥረ ጸገም ፀጥታን መጥቓዕትታትን ብርክት ዝበሉ ስቪላትን ሓይልታት ፀጥታን ከምዝተቕትሉ ናይቲ ክልል ምኽትል ኣማሓዳሪ ኣቶ ርስቱ ይርዳው ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ወረዳ ጉራፈርዳ 10 ሰባት ኣብ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት 13 ሰባት ከምዝተቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ። ናይቲ ክልል ምምሕዳር ኣብ መግለፂኦም ኣብዞም ከባቢታት እዚኦም ምርግጋእ ከምዝተፈጥረ ብምግላፅ ሰላም ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ ኢሎም።ነበርቲ ግን ንድሕነቶም ከምዝሰግኡ ይዛርቡ።

ናይቲ ክልል ሰላም ንምዝራግ ይሰርሑ ዘለው ጉጅለታት ካብ እከይ ግብሮም ክእርነቡ እቶም ምኽትል ኣመሓዳሪ ኣተሓሳሲቦም ።

XS
SM
MD
LG