ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ አማሮ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 3 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ሓቢሮም


ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ፣ ቀበሌ ዳኖ፣ ዕጡቃት ብሰንኪ ዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ፣ ሰለስተ ሓረስቶት ከምዝተቀትሉ፣ ቤተሰቦም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ብዝሐን ዘይተፈልጠ ጥሪት ከምዝተወሰዳ’ውን ጠቂሶም።

እቶም ነበርቲ፣ ፈጻሚ እቲ መጥቓዕቲ፣ኢሎም ዝኸስዎ ነቲ ሸኔ ዝብልዎ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ አካል እዩ። ብቴለፎን ግብረ መልሲ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ግና ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።

ናይ’ቲ ወረዳ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ህድኣትን ኣቶ ብሩክ ኣየለ፣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሰለስተ ሓረስቶት ከምዝተቀትሉ፣ ክልተ ካልኦት ሓረስቶት ከምዝቆሰሉን፣ ጥሪት 12 ቤተሰብ ከምዝተዘረፋ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG