ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኮንታ ወረዳ ብዘጋጠመ ምድርማስ መሬት 23 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኮንታ ብዘጋጠመ ምድርማስ መሬት 23 ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሓዳሪ’ቲ ወረዳ ሓቢሮም።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ባህልን ቱሪዝምን’ቲ ክልል ኣቶ ተከለ ተስፉ እቲ ሓደጋ ትማሊ ለይቲ ዘጋጠመ ምዃኑን በቲ ሓደጋ ኸአ ናይ ሓሙሽተ ስድራ አባላት 23 ሰባት ከምዝሞቱን ካብዚኣቶም 13 ደቂ ኣንስቶ ምዃኖም ገሊጾም። ንሶም ወሲኾም እቲ ሓደጋ ምድርማስ መሬት ዘጋጠመ’ቶም ሰባት ደቂሶም ከለው ምዃኑን ዛጊት ናይ 13 ሰባት ሬሳ ተኳዒቱ ከምዝወጸን ዝተረፈ ንምውጻእ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG