ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ዳህሳስን መጽናዕትን ወሰን ክልላትን መንነትን ከምዝዛዘም ተገሊጹ


አቶ አወል ሁሴን
አቶ አወል ሁሴን

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐ ዳህሳስን መጽናዕትን ወሰን ክልላትን መንነትን ዝመጽእ ግንቦት ከምዝዛዘምን እማመ ሓሳብ'ውን ከም ዘቕርብን፡ ኮሚሽን ወሰንን መንነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ናብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝቐርብ ሓሳብ፡ ንስኻ ግደፎ ንስኺ ግደፍዮ ብዝብል ኣካይዳ ዘይኮነስ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ከምዝኸውን'ውን ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት'ቲ ኮሚሽን ኣቶ ኣወል ሑሰን ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ'ሎ።

እቲ ኮሚሽን፡ ምስ ወሰን ክልላት ብዝተሓሓዝ ንዝፍጠሩ ግጭታት መዕለቢ ንምርካብ ዝቖመ'ዩ።

ኮሚሽን ጉዳይ ወሰንን መንነትን ኢትዮጵያ፥ ኣብ ጉዳይ ወሰን ክልላትን ኣብ ጉዳይ ርእስኻ ምምሕዳርን ብዝተሓሓዝ ውሳነታት ከሕልፍ`ዩ። ምስኡ ብዝተሓሓዙ ንዝልዓሉ ግጭታት`ውን ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ። ዳይረክተር`ቲ ኮሚሽን ኣቶ ኣወል ሑሰን ብዛዕባ ትሕዝቶ`ቲ መጽናዕቲ ክገልጽ ከሎ፥ እቶም ጸገማት ዝተሓላለኹ ስለዝኾኑ መጀመርያ ብዕምቆት ክልለዩ ክጽንዑን ኣለዎም ይብል።

"ንነብስወክፍ ጸገም ነናቱ ፍታሕ ቅድሚ ምሃብና፡ ናይቲ ጸገም ዕምቆትን ስፍሓትን ፈሊጥና፥ በብደርጅኡ ቀጻሊ መጽናዕትታት ክንገብር ኢና። ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ መጽናዕቲ`ውን ምግባር ከድልየና ይኸውን። ስለዚ መጀመርያ ሃገራዊ ዝኾነ ዳህሳስን መጽናዕትን ምስ ገበርና ኢና ናብቶም ጸገም ወሰንን መንነትን ዘለዎም ከባብታት ክንኣቱ። "

ኣብ መንጎ ክልላት ናይ መንነትን ናይ ምምሕዳር ወሰንን ሕቶ ዘለዎም፥ ዞባታት ወረዳታትን ቀበሌታትን'ውን ኣብቲ መጽናዕቲ ከም ዝካተቱ፥ ኣቶ ኣወል ኣመልኪቱ`ሎ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ፥ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ወሲኽካ፥ ካብ 28 ዩኒቨርሲታት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 70 ተመራመርቲ ዝሳተፍሉ ናይ መጽናዕቲ ተግባር ምዃኑ`ውን ሓቢሩ`ሎ። እቲ ትጽቢትዝግበረሉ ውጽኢት ድማ ሳይንሳዊ ከም ዝኸውን`ዩ ዳይረክተር `ቲ ኮሚሽን ዝገልጽ፥"እዚ ኮሚሽን ክቐውም ከሎ፡ ምናልባት ንስኻ ግደፎ ንስኺ ግደፍዮ ዝብል ምክረ-ሃሳብ ንምሃብ ተባሂሉ ኣይኮነን ቆይሙ። ብመጽናዕትን ምርምርን ብሳይናሳዊ መንገዲ ዝተደገፈ ሰሪሕና፥ ኣብ መወዳእታ ምኽሪ-ሓሳብ ክነቕርብ`ዩ ትጽቢት ዝግበር።ስለዚ እቲ መጽናዕቲ ምስ መጸ ፡ ነቲ ዝቕጽል ጉዕዞና ክሕብረና`ዩ ማለት`ዩ ።"

እቲ ውጽኢት መጽናዕቲ መኣስ ናብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ይቐርብ ይኸውን ተባሂሉ ዝተሓተተ ኣቶ ኣወል ሑሰን፥ ተኸታታልን ተደራራቢን መጽናዕታት ስለዝካየድ፥ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ`ውን ስለዝውስኖን፡ ናብ ባይቶ ፈደረሽን ዝቐርበሉ ግዜ ንምንጻር ከምዘይክኣል ይገልጽ። እቲ መጽናዕቲ፡ ካብ ሃገራዊ ጀሚሩ፥ ድሕሪኡ ንሕቶታት ወሰንን መንነትን ህዝቢ ንምምላስ በብደረጅኡ ከምዝወርድ ኣቶ ኣወል ይሕብር።

ለንቅነ`ኳ ኣብ መንጎ ኣብ ክልል ዓፋር ዝረክቡ ወረዳታት ዒሳን ሶማሌን ብዝተፈጥረ ግጭት ሰብ ሞይቱ`ሎ።ኣቶ ኣወሉ ሑሰን ኣብ ካልኦት ከባብታት ከም ኣብ መንጎ ሶማሊን ኦሮሚያን ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ሕቶታት እናልዓሉ ዝበጽሕዎ ደረጃ እንተሎ ክገልጽ ከሎ፥ እቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተወሰኑ ቦታታት ምፍላይ ዝሰፍሕ ትሕዝቶ ዘለዎ`ዩ፥ ካብ መበገሲ`ቲ ጸገም ጀሚርና ምሉእ ስእሊ ሒዝና ንመጻሉ ስርሕ ኢና ነካይድ ዘለና ኢሉ። ኣብ መንጎ ሶማሌን ኦሮሚያን፥ ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ወይ ኣብ መንጎ ካልኦት ክልልታት ዘሎ ጸገም ንምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ ብደረጃ ሃገር ኢና ክንርእዮ ንፍትን ዘለና ኢሉ።

ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ወሰንን መንነትን ኣብቲ ናብ ክልላት ወሪድካ ርክባት ብምፍጣር ዝግበር ስራሕ፥ ብዘይካ ክልል ትግራይን ኣብ ቀረባ ዝተመስረተ ክልል ሲዳማን ምስ ካልኦት ኩለን ክልልታት ርክብ ብምፍጣር ይሰርሑ ከምዘለዉ፥ ብፍላይ ምስ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ግን፥ ብምኽንያት ውሳነ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ብቐጥታ ምስራሕ ዝክኣል ምስቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዩኒቨርሲታት`ዩ ክኸውን ኢሉ ።

"ቅድሚ ሎሚ ዘይከድና ካብ ክልል ትግራይ ሰናይ ፍቓድ ስለዘይተረኽበ`ዩ። ካብ ሎሚ ንደሓር ግን ንሕና ብወግዒ ምስቲ ክልል ተራኺብና ክንቅጽል ኣይንኽእል ኢና። ግን ቤት ም​ኽሪ ፈደረሽን ብዘቐመጦ ውሳነ መሰረት ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዉ ዩኒቨርሲቲታት ተራኺብና ክንሰርሕ ኢና ፥ንሳቶም`ውን ኣካል ናይቲ መጽናዕቲ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ዝፈረሙ ዩኒቨርሲታት ኣለዉ ዘይፈረሙ'ውን ኣለዉ። "

ኣቶ ኣወል ሑሴን ኣተሓሒዙ፡ ንሕና ግን ኣካል ፈደራል ከም ምዃና መጠን ሓላፍነትና ብእኡ ኣገባብ ናይ ምፍጻም ግዴታ ኣለና ኢሉ።

ኮሚሽን ጉዳይ ምምሕዳር ወሰንን መንነትን ኢትዮጵያ፡ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ጥርዓናትን፡ ባዕሉ ብዘካይዶ መጽናዕትን ኣብ ግምት ዘእተወ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጽናዕቲ ምስ ኣካየደ፡ እማመታቱ ንቤት ኽሪ ፈደረሽን ከቕርብ'ዩ።

XS
SM
MD
LG