ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምይይጥ ንእዋናዊ ኩነታት ዘጠቓልል ኣይኮነን' ኣምባ.ዲና


ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባ. ዲና ሙፍቲ
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባ. ዲና ሙፍቲ

ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ምይይጥ ዋና ዕላምኡ፡ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝጸንሑ ናይ ውሽጢ ጸገማታ ንምፍታሕ ዘገልግል መንገዲ`ምበር ምስዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ`ታ ሃገር ዘጋጠመ እዋናዊ ጸገማት ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን ክብል ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ዲና ምስ ህወሓት ንምልዛብ ዘኽእል ሕጋዊ ባይታ ከምዘየለ ብምሕባር፡ እቲ ጉዳይ ምይይጥ`ምበር ልዝብ`ውን ኣይኮነን ኢሉ።

ንሱ ኣተሓሒዙ ናይ`ቲ ምኽክር ቀንዲ ተዋሳእቲ፡ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘይኮኑስ፡ ንህዝቢ ብዋና ተዋሳኣይነት ዝሓቁፍ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ምስ ህወሓት ግን ልዝብ ኮነ ምይይጥ ንምክያድ እቶም ዘለዉ ናይታ ሃገር ሕግታት ኣይየፍቅዱን`ዮም ኢሉ።

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ "ሕጊ`ዛ ሃገር ንህወሓት ኣቐዲሙ ብግብረ-ሽበራ መዲብዎ`ዩ፡ ከም ኣሸባሪ ውድብ`ዩ ዝፍለጥ። ብመሰረት ሕገ-መንግስትና ድማ ምስ ኣሸባሪ ወድብ ንላዘበሉ ሕጋዊ ባይታ የለን"ኢሉ።

ኣቦ-መንበር ህወሓት ደብረጽየን ገብረሚካኤል፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማዊ ፍታሕ ክብል ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን ምውጽኡ ብምግላጽ፡ ብህጹጽ ልዝብ ንክጅመር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጻዊዒት ምቕራቡ ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን ሎሚ ኣብ ባህርዳር ተረኺቡ መግለጺ ዝሃበ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርኣዩ ፍልልያትን ዘይምትእምማን ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ`ዩ ምባሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ጸብጺባ`ላ።

XS
SM
MD
LG