ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፥ ክልተ ኣባላት ምክልኻል ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ጥርጡራት ሽበራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተዉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ደቡብ ነቢዩ ኢሳያስ፥ እቶም ዝተታሕዙ ሰባት፡ በቲ ኣብ ወረዳ ጉራፈርዳ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብሄረሰብ ኣምሓራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝድለዩ ዝነበሩ እዮም ኢሉ።
ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርጋሳ ብወገኑ፥ ልዕሊ 20 ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ’ሎ። እቶም ዕጡቓት እቶም ኣብ ጉሊሶ ወረዳ ብሄር ዝተኮር መቕተለቲ ዝፈጸሙ`ዮም ኢሉ’ሎ።
ሓዲሽ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ክኸውን ጸዊዑ። ነቲ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ሓላፊ ጸጥታን ስለያን ክኸውን ዝተሾመ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ዝተክአ ሓዲሽ ርእሰ- ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሃቦ መንግለጺ፥ እቲ ወታሃደራዊ ስርሒት ነቶም ጸረ ሰላም ገበነኛታት ናብ ፍትሒ ንምምጻእ ዝዓለመ`ዩ ኢሉ።
ፈደራሊስት ኮንግረስስ ኦሮሞ ኣብታ ሃገር ኣብ ግጭት ዘለዉ ወገናት ሓይሊ ምጥቃም ገዲፎም ናብ ዘተ ሰላም ክመጹ ጸዊዑ። ኦፈኮ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ፖለቲካዊ እሱራት ይፈትሑ ከምኡ`ውን ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ዘተ ይገበር ኢሉ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዝሓለፈ ቀዳም ድማ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፥ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ብተለፎን ከምዝተዘራረቡን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭትን፥ ብዛዕባ ብኢጋድ ዘሎ ናይ ናይ ልዝብ ሕሳብን ከም ዝተዘራረቡ፡ ተሓቢሩ`ሎ።