ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ 'ዝሸፈቱ ዕጡቓት' ዝበሎም ን8 አባላት ጸጥታ ምቕታሎም ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባቤንች ሸኮ ወረዳ ሸኮ "ዝሸፈቱ ዕጡቓት" ዝበሎም ንሸሞንተ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ከምዝቐተሉ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ናይቲ ክልል ኣቶ ኣለማየሁ ባውዴ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ገበን ፈፂሞም ናብ በረኻ ዝወፁ ሸፋቱ ዝበሉዎም ይፍፅሙዎ ዘለው ፀገም ፀጥታ ንምፍታሕ ናብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝተንቀሳቐሱ ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ ጉድኣት ኣውሪዶም ኢሎም።ነቶም ሸፋቱ ንምጥፋእ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ እውን ኢሎም።

ቅድሚ ኣዋርሕ እውን ተመሳሳሊ መጥቓዕታት ተፈፂሞም ከምዝነበሩን እቲ ፀገም ዘይተፈትሐሉ ምኽንያት ግን ደገፍ ህዝብን ካብ ሱሩ ዝተሓላለኸን ስለዝኾነን እዩ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG