ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ተነቢሩ ዝነበረ ሕላፍ ሰዓት ተላዒሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተነብረ ሕላፍ ሰዓት ተላዒሉ። እቲ ሰዓት ሕላፍ ክልዓል ዝኸኣለ፡ ሕጂ ህዝቢ`ቲ ኸባቢ ብዛዕባ ጸጥታ ከባቢኡ ክፈልጥ ስለዝኸኣለን፡ ብዘይ ኣድላይነት ሕላፍ ሰዓት ንስግኣት ጸጥታ ክቆጻጸር ድልው ስለዝኾነን`ዩ ክብል ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን`ቲ ኽልል ኣለማየሁ ባውዲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ`ሎ።


ከምኡ`ውን እቲ ሕላፍ ሰዓት ኣብ ማሕበረ-ቁጠባ ዘስዕቦ ጽልዋ ካልእ ምኽንያት`ቲ ምስራዝ ሕላፍ ሰዓት ምዃኑ እቲ ሓላፊ ይጠቅስ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተነቢሩ ዝነበረ ሕላፍ ሰዓት`ውን ዝሓለፈ ሰሙን ምልዓሉ ይዝከር።

Recommended

XS
SM
MD
LG