ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ለበዳ  ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ልዕሊ ዝጠሓሱ 2,600 ሰባት ስጉምቲ ምውሳዱ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ልዕሊ 2,600 ሰባት ስጉምቲ ምውሳዱ ኮሚሽን ፖሊስ ናይቲ ክልል ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ነብዩ ኢሳያስ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣለው።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባ ጉራጌ ኣብ መንጎ ማረቆን መስቃንን ንዝለዓለ ዕንወት ንብረትን ምጥፋእ ህይወትን ምኽንያት ዝኾነ ግጭት ኣለዓዒሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ምርመራ ይካየዶም ከምዘሎን ገሊፆም።

ነበርቲ በቲ ግጭት ዝሞቱ ሰባት 10 እዮም ክብሉ ከለው ምምሕዳር እቲ ዞባ ግን 6 ምዃኖም ምግላጹ ድምጺ ኣሜሪካ ቅድሚ ሰሙናት ምፅብፃቡ ይፍለጥ። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ እቶም ኮሚሽነር እቲ ጉዳይ ኣብ ምርመራ ከም ዘሎ ብምሕባር ብዝሒ ዝተቐትሉ ካብ ምግላፅ ተዓቂቦም ኣለው።ብዝሒ ዝሞቱ፣ዝተመዛበሉን ዝወረደ ዕንወት ንብረትን ዛጊት ብንፁር ኣይፍለጥን።ኣብቲ ከባቢ ‘’ኣንፃራዊ’’ ዝበሉዎ ሰላም ከምዝተፈጥረ’ውን ወስኪኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG