ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 16 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣሳይታ ዱብቲ ቅድሚ ትማሊ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ህፃናት ዝርከቡዎም ልዕሊ 16 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት 34 ሰባት ከምዝቖሰሉን ናይቲ ወረዳ ኣመሓዳሪ ገሊፆም።ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሊያ ሓዊሱ ናይ ወፃኢ ሃገር መለለዪ መንነትን መኪናን ሒዞም ዝተባህሉ ዕጡቓትነቲ መጥቓዕቲ ከምዝፈፀምዎ ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣፋምቦ ገሊፆም።

እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ከባቢ ኣፋምቦ ገረኒ ፍሉይ ሽሙ ኦብሎ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተፈፀመ ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣፋምቦ ኣቶ ሑሴን ዓሊ ገሊፆም።

“ለይቲ ሰዓት 10 ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌን ናይ ጂቡቲ ኢሳን ብሓባር ተዋዲዶም ከቢድ ኣፅዋር፣መትረየስ፣ቦምብን ላውንቸርን ብምጥቃም ሓያል መጥቓዕቲ ፈፂሞም። ብዙሓት ህፃናት ፣ኣረጋዊያን፣ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ተቐቲሎምን ቆሲሎም ኣለው።”

በቲ መጥቓዕቲ ዝተጎድኡ 34 ሰባት ናብ ሆስፒታላት ኣሳይታ፣ዱብቲን መቐለን ከምዝተልኣኹ እውን ሓቢሮም።

“ዝሞቱ 17 ሰባት እዮም።4 ደቂ ኣንስትዮ፣ሓደ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ህፃን፣12ን 14ን ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን መናእሰይን ዓበይትን ይርከቡዎም።”

ብዝሒ ዝሞቱ 21 እዮ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለው።ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣሕመድ ኡመድ በቲ መጥቓዕቲ 16 ሰባት ምሟቶም ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ገሊፆም ኣለው።

ንሶም ወሲኾም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ብዝወሰዱዎ ናይ ምክልኻል መጥቓዕቲ ነቲ መጥቓዕቲ ካብ ዝፈፀሙ ንልዕሊ 10 ሰባት ከምዝቐተሉ እውን ተዛሪቦም።

“ካብቶም ዝሞቱ ዝተኸደኑዎ ወታሃደራዊ ክዳን ተረኺቡ’ሎ።ክዳንን መለለዩ መንነትን ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ ተረኺቡ’ሎ።ናይ ጅቡቲ ሪፓብሊክ ኣርሚ ዝብል መለለይ መንነት እውን ተረኺቡ’ሎ።እቲ መረዳእታ መረዳእታ ኣሎ ይብሉ።”

መጥቓዕቲ ፈፂሞም ክምለሱ ከለው ብዓፋር ዝተታሓዛ መካይን ከምዘለዋን ናይ ሶማሊ ላንድ ታርጋ ዘለዋ መኪና ከምዝተትሓዘትን ካብ መንጎ ዝተቐትሉ ወታሃደራት ጅቡቲ እውን ከምዝርከቡዎምን ብዓይነይ ርእየ ዝበሉ ነባሪ’ውን ምስክርነቶም ሂቦም ኣለው።

እቲ ከባቢ ኣብ ዓብይ ስግኣት ከምዝርከብን እውን እዞም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊፆም።

ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምኽትል ኤታምጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ተስፋየ ኣያሌው ብምጥቓስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝፀብፀቦ ሰራዊት ጅቡቲ ንዶብ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ኣብ ዓፋር ጉድኣት ኣውሪዱ ዝብል ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ኢሎም።

ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ናይ ምውራር ድልየት ከምዘይብላን ናይ ክልቲአን ሃገራት ምሕዝነት ሓይሉ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም ኣለው።

ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ መግሃጫ፣ማይን ካልኦትን ሓሓሊፉ ግጭት ከምዝፍጠር ዝሓበሩ እዞም ወሃቢ ርእይቶ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወረደ ጉድኣት ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ’ውን ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 16 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:55 0:00


XS
SM
MD
LG