ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብብዝሒ ሰባት ብሕማም ዓሶ ይተሓዙ ከም ዘለዉ ተገሊፁ


ከተማ ኢርብቲ ክልል ዓፋር -ፋይል
ከተማ ኢርብቲ ክልል ዓፋር -ፋይል

ቤት ፅሕፈት ክንክን ጥዕና ክልል ዓፋር እቲ ናይ ሰሜን ኢትዮጵያ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዘውረዶ ዕንወትን ዘረፋን ኣብ ልዕሊ ከይዲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ተጽዕኖ ከምዘሕደረ ገሊፁ’ሎ።

ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና’ቲ ክልል ኣቶ አኢቲክ ኑአሬ ንድምፂ ኣመሪካኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ከባቢ ዓሶ ዘጥቅዖ ከባቢ ከምዝኾነን ምስቲ በቲ ኲናት ዝወረደ ዕንወትን ዘረፋን ትካላት ጥዕና ንከይዲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ከም ዘተዓናቀፈ ነቲ ፀገም’ውን ከም ዘጋደዶን ገሊፆም።

እተን ትካላት ብቅልጡፍ ሰርሓን ክጅምራ ፃዕሪ እንተተገብረ’ዃ ግን ምስ ስፍሓት’ቲ ፀገም ከምቲ ዝድለ መጠንን ቅልጣፈን ነቲ ኣገልግሎት ናብቲ ዝነበሮ ምምላስ ከምዘይተኻእለ ተገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG