ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ጥምየትን ግጭትን 35 ህጻናት ምሟቶም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ዓፋር ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ- ፋይል
ኣብ ክልል ዓፋር ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ- ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ደርቂን ግጭትን ብውሑዱ 35 ህፃናት ምሟቶም ሓደ ናይቲ ከባቢ ሆስፒታልን ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይን ገሊፆም።

እዚ ትማሊ ሓሙስ ዝተገልፀ ሞት ሓደ ሚንስትር ሰባት ብሕፅረት መግቢ ኣይሞቱን ኢሉ ድሕሪ ምግላፁ እዩ ።ቀርኒ ኣፍሪቃ ንተኸታታሊ ዓመታት ዝናብ ብዘይምርኻቡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ድርቂ ኣጋጢሙዋ ይርከብ።

ኣብ ካልእ ዜና፡ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባትን ሓይሊ መብራህቲን ስራሑ ድሕሪ ምቍራጹ፡ ክሕከሙ ዝመጹ 32 ዜጋታት ብሰንኪ ሕጽረት ክንክን ከም ዝሞቱ ሜዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ሆስፒታል ዓይደር ሓደስቲ ሕሙማት ምቕባል ኣቋሪጹ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተኣለይቲ’ውን ምኽኣል ስኢኑ መሰረታዊ ስራሓቱ ደው ከም ዘበለ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG