ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ


ባህር ዳር
ባህር ዳር

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ፈደራል ሓይልታት ጸጥታ ንከተማ ባህርዳር: ከባቢኡን ንፈተነ ዕልዋ መንግስቲን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም’ውን ኣቶ ንጉሱ ገሊጾም ኣለው።

ኣቶ ንጉሱ ወሲኾም ኣብቲ መጥቓዕቲ ኢድ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወገናት ስጉምቲ ክውሰድ መምርሒ ከምተዋህበ ብምሕባር ናይቲ ክልል ኮነ ናይታ ሃገር ህዝቢ ድሕነቱ ክህልው ጽውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ኣብታ ከተማ ድምጺ ተኹሲ ይስማዕ ከምዝነበረ ኣረጋጊትጻ’ላ።

ኣቶ ንጉሱ ብዛዕባ መንነት “ዝተጠርነፉን ዝተዳለውን’ዮም” ንዝበልዎም ፈጸምቲ መጥቓዕቲን ዝርዝር ዘጋጥመ ጉድ ኣትን ግን ኣይሓበሩን።

XS
SM
MD
LG