ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብውሕዱ 4.5 ሚልየን ህዝቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብውሕዱ 4.5 ሚልየን ህዝቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ኣወሃሃዲ ህጹጽ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ማርክ ሎውኮክ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሽሕ`ኳ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ምምሕያሻት እንተሎ፡ ኣብ ምሉእ ትግራይ ንዝርከቡ ተጸበይቲ- ረድኤት ንምብጻሕ ዝያዳ ክስራሕ ኣለዎ ኢሉ።

ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ገንዘብ ክውስኽ ንባይቶ ጸጥታ ከምዝሓበረ`ውን ወሃቢ ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስተቨን ድጃሪክ ንሪፖርተራት ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG