ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 50 ደቂ ኣንስትዮ ምቕታለን ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ በሎ ጀገንፎይ ዕጡቓት 24ን 25 ነሓሰ 2013 ዓ\ም ፈፂሞምዎ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ ልዕሊ 50 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተቐትላ ፖሊስ ገሊፁ።

ምኽትል ፖሊስ ኮሚሽነር ናይቲ ክልል ምስጋናው ኢንጂፈታ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ናይ ጉሙዝ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ \ጉህዴን\ ናይ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ዕጡቓት ደዴሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንልዕሊ ሓምሳ ሰባት ‘’ብጅምላ’’ ቀቲሎም ኢሎም።

ንሶም እቲ ውድብ ሰላማቂ ቓልሲ ገዲፉ ብዕጥቒ ተወዲቡ መጥቓዕቲ ይፍፅም ከምዘሎ ብምግላጽ ሕጂ ኣቦ ዞባ መተከል ከምኡ እውን ናብ ካማሺ ኣትዩ ኣሎ ኢሎም። ኣብ ደዴሳ ማሕበረሰብ ጉምዝ ከምዝርከቡ ዝገለፁ ምኽትል ፖሊስ ኮሚሽነር ምስጋናው ኢንጂፈታ እቲ ቅትለት እውን ብዘሕዝን ኩነታት ኣብ ልዕሊኦም እዩ ዝፍፀም ዘሎ ኢሎም።

"ኣብቲ ከባቢ ብስፍሓት ዝርከብ ሚዲያ ናይ ምርካብ ዕድል የብሉን፣ፌስቡክ ናይ ምጥቃም ዕድል የብሎምን።ትማልን ብቕድሚ ትማሊን ጠቢብ ወይ ቡዳ ብዝብል ንደቂ ኣንስትዮ ብምፍላይ ንልዕሊ ሓምሳ ደቂ ኣንስትዮን ዝተወሰኑ ደቂ ተባዕቲዮን ረሺኖም ኣለው።ንማሕበረሰብ ጉምዝ ማለት እዩ።ዝወረደ ጉዳኣት ንምፍላጥ ተወሳኺ ሓይሊ ንሓትት ኢና ዘለና" ኢሎም።

ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ዞባ ካማሺ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ ስቪላትን ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ብዙሕ ጉድኣት የውርዱ ኣለው ኢሎም።

እቶም ዕጡቓት ብሱዳን ይድገፉ ኣለው ዝበሉ እቶም ምኽትል ኮሚሽነር እቲ ኩነታት ካብ ናይቲ ክልል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንላዕሊ ይኾኑ ስለዘለው ፌደራል መንግስቲ ሓገዝ ክገብር ኣለዎ ኢሎም።

ካብ ፖሊስ ፌደራል መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ናይቲ ክልል መንግስቲ ዝተኸሰሱ ኣካላት ካብ ሱዳን ሓዊሱ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG