ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዝርከቡ ሰራዊት ምስ ኣልሸባብ ይዋግኡ ምህላዎም ተሓቢሩ


ኣብ ክልል ሶማሌ ዝርከቡ ሰራዊት፣ ምስ ዕጡቃት ኣል ሸባብ ይዋግኡ ከምዘለው ተገሊጹ። እዚ ምዕባለ’ዚ ይስማዕ ዘሎ፣ ኣብ ከባቢታት ሁሉልን ኣፍዴርን ኣብ ልዕሊ’ቶም ሚልሻታት ተዓዊትና ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምቅልሑ እዩ።

ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ትማሊ ሰኑይ ሓይልታቶም ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ምግጫዎም ጠቂሶም ነይሮም።

ናይ’ቲ ክልል ፕረዚደንት ሙስጠፌ ዑመር ምስ’ቶም ሚልሻታት ንምውጋእ ናብ ዶብ ሶማል ይብገሱ ምስ ዝነበሩ ሰራዊት ከምዝተራኸቡ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ስዊድን ዘሎ በዓል ስልጣን ኣል ሸባብ ዝነበረን ዑመር መሓመድ ኣቡ ኣያንን ከምኡ'ውን መንነቱ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ካልኣይ ውልቀሰብን ብወገኖም "ነቲ ኣል ሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ የካይዶ ዘሎ ወፍሪ ዝመርሖ ኣዛዚ፣ ካብ ክልል ሶማሌ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ’ዩ" ምባሎም ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG