ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ መዕቖቢ ብሰንኪ ህውከት ክሃድሙ ዝተገደዱ ልዕሊ 20,000 ሱዳናዊያንን ደቡብ ሱዳናዊያንን ስደተኛታት ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ከምዘድልይዮም ተሓቢሩ።
10,300 ሱዳናዊያንን ደቡብ ሱዳናዊያንን ተዓቒቦምሉ ዝነበረ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝርከብ ካምፕ 19 ጥሪ 2022 ተዘሪፉን ተቓፂሉን።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ጉጅለታትን ሓይልታት ፀጥታን ኣብ ጥቓ ከተማ ቶንጎ ቶኽሲ ድሕሪ ምልዓሉ እዩ።እዚ ዘተሓሳስብ ፍፃመ ዘጋጠመ ድሕሪ ፈላማይ ግጭት ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ኣብ ካልእ ናይ መዕቖቢ ድሕሪ ምግጣሙ'ዩ።
ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቦሪስ ቸስሪኮቭ ኣብቲ ክልል ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ወጥሪ ይንህር ኣሎ ኢሎም።
ኣብ ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ልዕሊ 70,000 ስደተኛታት ክልቲአን ሃገራትን ብሰንኪ ግጭት ማሕበረሰባት ዝተመዛበሉ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ምትእንጋድ ይርከብ።
ቸሲርኮቭ ናይቲ ክልል ሰበስልጣን 20,000 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ሓድሽ ግዚያዊ መዕቖቢ ማእኸል የጣይሹ ኣለው ኢሎም ።ንሶም ወሲኾም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት መፅለሊ፣ማይን ናውቲ ጽሬትን ሓዊሱ መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ንምጥያስ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።