ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ 875 ሽሕ ዜጋታት ናብ መንበሪኦም ምምላሶም ቤት ፅሕፈት ቀ/ሚ ኣፍሊጡ


ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትርኢትዮጵያ ብሌኒ ስዩም
ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትርኢትዮጵያ ብሌኒ ስዩም

ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ 875 ሽሕ ዜጋታት ናብ መንበሪኦም ከምዝተመልሱ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣፍሊጡ።መንግስቲ ንተመዛበልቲ ምምላስ ዝጀመረ ኣብ ናይ ቀደም መንበሪኦም ዘሎ ስግኣት ፀጥታ ዝተፈትሐ ምዃኑ ርግፀኛ ስለዝኾነ እዩ ክብላ ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ተዛሪበን።ተኸፊቶም ዝተዓፀው ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶባት ብዝምልከት እውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢረን።

ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ መራሒን መንግስቶምን ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መነባብሮም ምምላስ ጀሚሮም ኣለው።ኣብ መላእ ሃገር ብሰንኪ ግጭት ካብ መንጎ ዝተመዛበሉ 2.3 ሚሊዮን ዜጋታት ክሳብ 29 ሚያዚያ 2011 ዓ.ም. እቶም 875,000 ተመሊሶም ከምዘለው ሓቢረን።

እዞም ዜጋታት ዝተሰደዱን ዝተመዛበሉን ብሰንኪ ግጭትን ናይ ፀጥታ ስግኣትን እዩ።ቢልለኔ ስዩም መንግስቲ ንተመዛበልቲ ምምላስ ዝጀመረ እቲ ናይ ፀጥታ ሽግር ስለዝተፈትሐ እዩ ኢለን።

“መንግስቲ ዜጋታት ናብ መነባብርኦም ክምለሱ ብምሉእ ርእሰ ምትእምማን'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።ምኽንያቱ ቀንዲ ሓላፍነት መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ምሕላው እዩ።ንሓደጋ ከቓልዖ'ውን ኣይፈቕድን።”

ንሰን ብተወሳኺ ድሕንነትን ሰላም ምስ ስነ ኣእምሮ ዝተአሳሰረ ስለዝኾነ ሰባት ብበለካ ለኽዓካ ሓበሬታ ክሰግኡ ስለዝኽእሉ ናብ ናይ ቀደም መንበሪኦም ክምለሱ ከለው ናይ ስነ ኣእምሮ ምኽሪ እውን ስለዘድልዮም ኣገዳሲ ምድላው ተገይሩ’ሎ ኢለን።

ምምዝባል ዜጋታት ንመፈፀሚ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ክጥቀምሉ ዝደልዩ ኣካላት ኣለው ዝበላ ቢልለኔ ስዩም እዞም ኣካላት እቶም ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ኣይደልዩዎምን ኢለን።

ኣብዝተፈላለዩ ክፍላት እታ ሃገር ዘጋጥሙ ግጭታት ዝተዋደዱን ብሓደ ኣካል ዝምርሑን እንተኾይኖም ተሓቲተን ከምዚ ክብላ መሊሰን።

“ዘጥፍኡ ከምዘለው መንግስቲ ይርዳእ እዩ።እዞም ዘጥፍኡ ብሓባር ወይም በብውልቆም ዝሰርሑ ክኾኑ ይኽእሉ።ህዝቢ ወይ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ንምምፃእ ዘለዎም ድልየት ንገሊኦም ሰባት ስግኣት ኮይኑዎም ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።እዚ ለውጢ ንምምፃእ ዝጠፍአ ህይወትን ዝተገብረ ፃዕሪን እንተሪእና ነዚ ለውጢ ንዘይምቕባል ይውሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።እዚ ለውጢ ግን ክቕፅል እዩ።”

ብዝተዋደደ ይኹን ብውልቂ ይሰርሑ ዘለው ጥፍኣተኛታት ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ መንግስቲ ንልዕልነት ሕጊ ብዘለዎ መርገፂ ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን እዮም ኢለን።

ኣብ ቀረባ ኽሲ ዝተመስረቶም ናይ ቀደም ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ብዝምልከት ዝተሓተታ ብሌኒ ስዩም ክምልሳ ከለዋ ኣቶ ጌታቸው ይኹኑ ካልኦት ብቤት ፍርዲ ዝድለዩ ተጠርጠርቲ ንምሓዝ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ክግበር እዩ ኢለን።

ተኸፊቶም ዝተዓፀው ዶባትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት እውን ልኡኽ ጉጅለታት ክልቲአን ሃገራት ይዘራረቡ ኣለው ኢለን።

“ምኽፋት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ወይ ጉዳይ ዶብ ብዝምልከት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝሰርሕ ካብ ኤርትራ ዝመፀን ናብ ኤርትራ ዝተልኣኸን ልኡኻት ኣለው።ዝርዝር ስርሖም ምስ ኣጠቓለሉ ኣብዝቕፅላ ሒደት ሰሙናት ክነፍልጠኩም ኢና።”

ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ዝተልዓሉ ጉዳያት መዕለቢ ንምንዳይ ብደረጃ ፈደራል ብክልቲኦም ወገናት ዝርርብ ክካየድ ከምዝፀንሐ እውን ወሲኸን ሓቢረን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG