አዲስ አበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርስታት ዝካየዱ ጎንፅታት ተሓሲቡሎም በጀት ተሰሊዑሎም ዝካየዱ ተግባራት እዮም ክብላ ሚንስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ፕሮፈሰር ሂሩት ወልደማርያም ተዛሪበን።
እቲ ፀገም ኣብ ዝኸበደለን ክልላት ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ምርመራ ክካየድን ብዛዕባ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ ምኽረ ሓሳብ ከምዘቕረቡ እውን ተገሊፁ’ሎ።
ሚንስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርቲ ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ምምኽኻር ቤት ምኽሪ ንትካላዊ ለውጢ ዘስምዖ መደረ ካብ መንጎ ዘተኾራሎም ጉዳያት ሓደ ኣብ ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝረአ ዘይምርግጋእን ዝወርድ ዘሎ ጎንጺ’ዩ።