ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝመጹ ለውጢታት ንምትዕንቓፍ ለይትን መዓልትን ዝደኸሙ እኩያን ኣለው" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ኣብ ኢትዮጵያ ንዝመጹ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ለይትን መዓልትን ዝደኸሙ እኩያን ኣለው ክብሉ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ዝበሉ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰላም ምዝዛሙ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ’ዩ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባሊ ጋሻ ምኳኑ ዳግም ምርግጋጹ ብምግላጽ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ሕዳር 17 ን 18 ኣብ አዲስ አበባ ዝተካየደ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰላምን ዕውትን ኩነታት ምዝዛሙ ኣብ ዝገለጽሉ እዋን ነዚ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ኣመስጊኖም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ብስርቕን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተጠርጠሩ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሓላፍትን ሰበ ስልጣን ጸጥታን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣትውሉ ዘለው ስጉምቲ’ውን ጠቒሶም።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣብቲ መግለጺ ምስቲ ስጉምቲ ማእሰርቲ ብዝተሓሓዝ ሓለዋ ጸጥታ ከምዝጸንዕ ተጌሩ’ሎ ኢሎም።

ነዚ ምጽናዕ ሓለዋ ምክንያት ኮይኑ ዘሎ ነቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ዝስርሑ አካላት ስለዘለው ምዃኑ ሓቢሮም።

ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድ ወሲኾም ኸምቲ ንለውጢ ለይትን መዓልትን ዝደክም ዘሎ ነቲ ለውጢ ንምትዕንቃፍ ለይትን መዓልትን ዝደኽሙ እኩያት ‘ን ምህላዎም ካባና ዝተሰወረ ኣይኮነን ኢሎም።

ዕንቅፋት ፈጢሮም ንናይ ሃገርና ምስሊ ንምብልሻው ድማ ብምንም ተአምር ዕድል ኣይክንህቦምን ኢና ኽብሉ’ውን ተስሚዑ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG