ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ጸገም ብሰላም ንምፍታሕ መንግስቲ ድልዉ'ዩ' ሚ/ጉ/ወጻኢ ኢትዮጵያ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ -ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ጸገም ብሰላም ንምፍታሕ መንግስቲ ድልዉ'ዩ ክብሉ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖሎቲካ ሰላምን ጸጥታን ኣምባሳደር ባንኮሌ አዴኦዮ ንዘካየድዎ ልዝብ ኣብ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ዝጠቀሱ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያ ምዝርራቦም ገሊጾም'ለዉ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ደርቂን ግጭትን ብዝተሓሓዘ ልዕሊ 24 ሚልዮን ዜጋታት ሓገዝ ከም ዘድልዮም'ዉን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ጠቂሶም: ኣቶ ደመቀ መኮነን ምስ ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ቢልን ሜለንዳን ጌትስ ፕረዚደንት ክርስቶፈር ኤሊያስ ቅድሚ ትማሊ ተራኺቦም ኣብ ዝተዘራረቡ እዋን'ውን ሓገዝ ንዘድልዮም ክሕገዝሉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ መንገዲ ከምዝተዘራረቡ ገሊጾም'ለዉ ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ ናብ ክልል ትግራይ ብመሬት ዝኣቱ ረድኤት ዉሑድ እዩ ዝብል ካብ ሰበ-ስልጣን'ቲ ክልልን ገለ ወገናት ዝቀርብ ክስን ብዛዕባ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ንውትህድርና ንምምዝጋብ ተሰሊፎም ተራእዮም ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያንን ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ብዝብል ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ: ኩወይትን ሊባኖስን ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ዝጀመሩን ኣመልኪቶም'ዉን ኣብቲ መግለጺኦም መልሲ ሂቦም'ለዉ ።

XS
SM
MD
LG