ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኽቲ 164 ሰባት ብቫይረስኮሮና ምትሓዞምን 5 ምሟቶምን ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ 6,630 ሰባት ኣብ ዝተገብረ ምርመራ 164 ሰባት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኽቦም ሓሙሽተ ሰባት ድማ ህይወቶም ምስኣኖም ተሓቢሩ'ሎ።ዛጊት ብዝሒ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 2,670ን ህይወቶም ዝስኣኑ ድማ 40 በፂሑ ኣሎ።

ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኣብ ክሊ ዕድመ ሓደ ዓመትን 92 ዝርከቡ 117 ደቂ ተባዕቲዮን 47 ደቂ ኣንስትዮን እዮም።

104 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣26 ኣብ ሶማሊያ፣22 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣4 ኣብ ክልል ትግራይ፣ 4 ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ 1 ኣብ ሃረሪን 1 ኣብ ክልል ቤንሻንጉልን ምዃኖም'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG