ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 150 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋቦም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ 5,141 ሰባት ብዝተኻየደ ናይ ላብራቶሪ ምርመራ 150 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተታሕዙ ተረጋጊፁ።እቶም’ቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ኣብ ካብ ክሊ ዕድመ 3 ክሳብ 72 ዓመት ዝርኸቡ ክኾኑ ኸለው 94 ደቂ ተባዕቲዮን 56 ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖም ተፈሊጡ ‘ሎ።

127 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣13 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣6 ኣብ ክልል ሶማሊያ፣3 ካብ ደቡብ ክልል፣ 2 ካብ ክልል ትግራይ፣2 ካብ ክልል ኦሮሚያን 1 ኣብ ክልል ዓፋር ምዃኖም ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢብዙሃን (ፌስቡክ) ገፁ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ሶኑይ ዝሞተ ሓደ ሰብ ሓዊሱ ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 18 ምብጽሑተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብምኽንያት ጽባሕ ዓርቢ ዝኽበር መዓልቲ ከባቢያዊ ሓለዋ ኣብዚ ዓመት ክትከሉ ዝተዳለወ 5 ቢሊዮን ፍልሲ ምትካል ከምዝጅመር ሓላፊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም።

ፅባሕ ብምእኹል ኣብ ጥቓ ከተማ ሃዋሳ ጎቦ ታቦር ምትካል ከምዝጅመርን ክልላት እውን ብተመሳሳሊ ምትካል ከምዝጅምሩን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣቶ ንጉሱ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተተኽለ 300 ሚሊዮን ፈልሲ ዝደግም ዘይኮነ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ዝህልው መደብ ምትካል ፈልሲ ዕላዊ ዝኾነሉ እዩ ኢሎም ።

እቲ ወፍሪ ኣብ ስግኣት ለበዳ ቫይረስኮሮና ንእትርከብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ናይ ምስፍሕፋሕ ሓደጋ’ዶ የብሉን ኢሎም ዝተሓተቱ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን መንግስቲ ዘድልይ ምድላው ገይሩ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣርባዕተ ቢሊዮን ፈልሲ ተተኺሉ ምንባሩን ሎሚ ዓመት ናብ ሓሙሽተ ቢሊዮን ክብ ከምዝበለን ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG