ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 129 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ዝሞቱ ድማ ክልተ ሰባት ምምዝጋቡ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ 5,274 ሰባት ብዝተኻየደ ምርመራ 129 ቫይረስኮሮና ዘለዎም ሰባት ምምዝጋቦም ተገሊጹ። ክልተ ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

ካብቶም ሓደሽቲ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት 85 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ኣብ ትግራይ ፣ 10 ኣብ ሶማሊያ፣ 7 ኣብ ክልል ደቡብ፣6 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ 5 ኣብ ኦሮሚያ፣ 4 ኣብ ድሬዳዋ፣1 ድማ ኣብ ዓፋር ተመዝጊቦም ኣለው።

ዛጊት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ሰባት 3,759 ዝሞቱ ድማ 63 ተመዝጊቦም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ክልላት ሶማሌ፣ ሃረሪ፣ኦሮሚያን ምምሕዳር ድሬዳዋን ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ተዋዲዶም ንምስራሕ ተሰማሚዖም።ኣብቲ ከባቢ ንሰለስተ መዓልታት ዑደት ዘካየዱ ሚንስትር ድኤታ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ደረጀ ዱግማ ኣብ ክልል ሶማሊያ ደዎሌ መወሸቢ ማእኸል ዘሎ ምፅባብ ንምውጋድ ኣብቲ መወሸቢ ቫይረስኮሮና ዘለው 97 ሰባት ናብ ካልእ ከባቢ ከምዝውሰዱ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ሶማሌ መወሸቢ ማእኸል ደዎሌ ኣብ ዝተኻየደ ምርመራ ኣብ ሓደ መዓልቲ 55 ቫይረስኮሮና ዘለዎም ሰባት ምርካቦም ይዝከር ።

XS
SM
MD
LG