ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐት መርከብ ካብ ወደባት ዩክሬን ተበጊሳ


ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ቅልዋልው መግቢ ንምቅላል፡ 23,000 ቶን እኽሊ ዝፀዓነት መርከብ ካብ ናይ ዩክሬን ወደብ ምብጋሳ ኣሶሴትድ ፕረስ ፀብፂቡ።

እዛ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻረያ መርከብ ዓፀቦ ንዘጋጠመን ሃገራት ንምሕጋዝ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተመደበት ፈላመይቲ መርከብ እያ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ሩሲያ ንዩክሬን ብምውራራ ዝተዓናቐፈ ምስዳድ እኽሊ ናብ ወፃኢ ሃገራት ንክቕፅል ዩክሬንን ሩሲያን 22 ሓምለ ምስ ቱርኪ ብመሰረት ዝበፅሕኦ ስምምዕ እዩ። ሕቡራት ሃገራት ሓደጋ ዓፀቦ ኣንፀላልዩወን ኣሎ ካብ ዝበለን ሓሙሽተ ሃገራት ኢትዮጵያ ሓንቲ እያ።

XS
SM
MD
LG