ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተላዕሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ናዕብታትን 78 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ካብ 12 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሃረርን ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብሰንኪ ዝተኻየዱ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ዝተኸሰቱ ናዕብታትን 78 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።በቲ ህውከትን ቅትለትን ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 400 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብመንግስቲ ዝተመደበሉ ሓለውቲ ክልዓሉ ከምዝኾኑን እናተኸበበ ከምዝኾነን ብምግላፅ ኣክቲቪስት ጀዋር መሓመድ ዘሕለፎ መልእኽቲ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ዝተወልዐ ተቓውሞ ሰልፍታት ግጭታትን መቕተልቲ ወሪዶም እዮም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊት ዓውዲ ቋንቋታትን ወፃኢን ዲጂታልን ቢል ለኔ ስዩም ከምዝገለፅኦ ብዘሕዝን ኣገባብ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ሃረርን ከተማ ድሬድዋን ብዝተፈጥረ ህውከት ህይወት 78 ሰብ ምጥፍኡ ትርጉም ኣልቦ እዩ ኢሎን።እቲ ህውከትን ዝወረደ ጉድኣትን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ኢለን።

“ነዞም ተግባራት እዚኦም ንኹንኖም።ምጥፋእ ህይወት ሰብ ጥራሕ ዘይኮኑስ ንብረት እውን እዩ ዓኒዩ።እዚ እታ ሃገር ኣብዚ ሕጂ እዋን ትጉዓዘሉ ንዘላ መንገዲ ዝፃረር እውን እዩ።”

ቢል ለኔ ስዩም ኣብቲ ህውከት ዝተሳተፉን ኣብ ምጥፋእ ህይወት ኢዶም ዝሓወሱን ክሕተቱ እዮም፣ምርመራ ጀሚሩ’ሎ፤ዛጊድ 409 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ኣለው ኢለን።

“ፈፅምቲ ናይዚ ገበን፣ነቲ ገበን ዘቀፃፀሉን ተሓባብርቶምን ተሓተቲ ከምዝኾኑ ርግፀኛታት ኩኑ።”

እተን ወሃቢት ቃል ናይ መንግስቲ ትዕግስቲ ከም ድኽመት ዝወስዱ ኣካላት ይጋገዩ ኣለው ኢለን ።እቲ ትዕግስቲ ፌደራል መንግስቲ ኮነ ኢሉ ዝኽተሎ ዘሎ ስልቲ እዩ፤ ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ናብቲ ዝነበረትሉ ክትምለስ ስለ ዘይንደልይ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG