ኣተሓባባሪት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ..ኤ.ኣይ.ዲ) ሳራ ቻርለስ ካብ ጥቅምቲ 20-23,2021 ኣብ ዝነበረ አዋን ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዛ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ዘብፅሑ መሓዙት ትካላት: ሰበ ስልጣናት መንግስቲ : ካልኦት ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላትን ተራኺባ ተመያይጣ።
ሳራ ቻርለስ ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ብምብጻሕ፡ በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተላዕለ ቅልውላውን፡ ሓገዛት ረዲኤት ክሓልፉ ብዘይምኽኣሉን ፡ኣብ ዓለም አቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ሓደጋ ይበፅሕ ምህላዉ ክዕዘባ ምኽኣለንን ከምኡ’ውን ብሰንኪ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ዝርከብ ኩናት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ውሑዳት ሰሙናት ጥራሕ ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎም ሓቢራ`ላ ።
ኣተሓባባሪት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ..ኤ.ኣይ.ዲ) ሳራ ቻርለስ ፡ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቶም ግዳያት ዝበፅሑሉ መገዲ ክኽፍቱ ፡ መንግስቲ ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ተዓፅዮም ዝርከቡ መራኸቢ ማዕከናት፤ ባንኪን ካልኦት ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ክምለሱ ፤ ከምኡ’ውን ኩሎም ዓይነት ሰብኣዊ መጉዓዝያ ብዘይ ገለ ክልከላ ክሓልፉ ከፍቅድን ዝሓወሰ መጸዋዕታ ኣቕሪባ`ላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፒተር ማዉሪር ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኸባቢ ሓደ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ሲቪል ህዝቢ ካብ ሓደጋ ክሕልዉ ፀዊዑ`ሎ ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ዋሕዲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሸቐጣ መቐጥ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽበሉ ኩነታት ብምስኣኑ ንዝኸፍአ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ ክብል`ውን ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ተዛሪቡ`ሎ።