ኒውዮርክ —
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘሎ ጸገም ቀረባት ረድኤት ዓጸቦ ከየጋጥም ስግኣት ከምዘለዎ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ ኣፍሊጦም። ንሶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዙርያ`ታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ክስትብሃለሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ጠቐሶም።
ብዛዕባ'ዚ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝርዝር ኣብ ምዝርራብ ከም ዝርከብ`ውን ኣፍሊጦም ኣለው ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም ኣለው።
ኣስዒቦም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ኣብ ኬንያን ሶማልን ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ`ውን ነቲ ድሕሪ 1984 ዘይረኣናዮ ዓጸቦ ክይንርኢ ንሰግእ ኢና ኢሎም።