ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ልዕሊ 600 ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ክቦኽሩ ምግዳዶም ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ልዕሊ 600 ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ክቦኽሩ ምግዳዶም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:54 0:00

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ልዕሊ 600 ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ክቦኽሩ ምግዳዶም ተሓቢሩ

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ ዝኸፍአ ዝበሎ ደርቂ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም፣ብኣማኢት ዝቑጽሩ ኣብያት ትምህርቲ ክዕፀውን ልዕሊ 600,000 ቆልዑት ካብ ትምህርቶም ክቦኽሩ ኣገዲዱዎምን ክብል ኣፍሊጡ።ህፃናት ኣድሕን (ሴቭ ዘ ችልድረን) ዝተባህለ ትካል ረድኤት ኣብ ጥቓ ኩሉ ንብረቶም ዝሰኣኑ ስድራታት ዝነብሩሎም መዕቖቢ ተመዛበልቲ ቆልዑት ኣብ ክፍልታት ንክራኸቡ ንምሕጋዝ ማእኸላት ሃኒፁ ኣሎ።

እንስሳት ብምርባሕን ብሕርሻን ዝናበሩ ልዕሊ 900,000 ስድራቤታት ድማ ብዝቐፀለ ደርቂ ተመዛቢሎም ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛ ህፃናት ኣድሕን ዓሊኑር ሞሓመድ ከም ውፅኢት ምምዝባል፣ድርቅን ሞት እንስሳትን ዝተፈላለየ ናይ ስነ ኣእምሮ ስምብራት የጋጥም ምህላዎ ይገልጽ።

ንሱ ወሲኹ"ብውሑዱ ቆልዑት ተኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ስድርኦም ዝወረደ ነገር ረሲዖም ዝፃወትሉ ቦታ ክንፈጥረሎም ኣለና’’ ይብል ።

እቲ ፃዕሪ ከም ኣሕመድ ኑር ዝኣመሰሉ ትምህርቶም ክቕፅሉ ሕጉሳት ዝኾኑ ተመዛበልቲ ቆልዑ ዝሕግዝ እዩ።

ኣሕመድ ኑር ኣብ ጎዴ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ፋርቡሮ ሓምሻይ ክፍሊ እዩ።ንሱ ኣብ ክሊ ናቱ ዕድመ ዝርከቡ ቆልዑ ክምሃሩ ምስርኣየ ናብ ትምህርቲ ከእትዉዎ ንወለዱ ሓቲቱዎም: ናብዚ ኣምፂኦምዎ ሕጂ ኣብ ሓምሻይ ክፍሊ ይምሃር ከምዘሎ ይሕብር።

ኣብ ክፋላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ማሕበረሰባትን መበገሲ ትምህርቲ ደረጃ ትሑት እዩ።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ልዕሊ 60% ተማሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናብ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቲ ከሰጋግሮም ዝኽእል እኹል መሕለፊ ነጥብታት ኣይረኽቡን።እዚ ማለት 54% ቆልዑ ጥራሕ እዮም ናብ ሻምናይ ክፍሊ ዝሓልፉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ጃንፍራንኮ ሮቲግሊያኖ ምንካይ ምቁራፅ ትምህርቲ ወሳኒ እዩ ይብሉ። "ሓደ ወይ ክልተ ናይ ትምህርቲ ዓመታት እንተድኣ ሓሊፉዎም ፈፂሞም ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይምለሱን’’ ይብሉ።

"ምኽኒያቱ እቲ ጉዳይ ዕድሜኻ 14 እንተድኣ ኮይኑ ምስ 11ን ወይ 12 ዓመቶም ቆልዑ ኮፍ ክትብል ኢኻ።ምቾት ኣይስምዐካን።ትፈልጢ ኢኺ እቲ ስድራ እውን ድኻ ስለዝኾነ ዝደፍእሉ ምኽኒያት ኣይርኣየካን።ስለዚ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ።"

ካብ ዝውሃቦም መተባብዒታት ሓደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምጋብ ፕሮግራም እዩ።

ትካል ህፃናት ኣድሕን ኣብ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ፋርቡሮ ንቖልዑ መግቢ ምቕራብ ደው ከምዘበለ ምኽንያቱ ድማ ገንዘብ ናይ ምምዳብ መደብ ብዘይምሕዳሱ ምዃኑ ይገልጽ።

ብሰንኪ ደርቂ ሕፅረት ኣመጋግባ እናዓበየ ምስ ምኻዱ እቲ ትካል ህፃናት ከይሓሙ ዝለዓለ ንጥረ ነገር ኒውትሪሽን ዘለዎ ብሽኮቲ ንምቕራብ ይፍትን ኣሎ።

ናብዚ ናይ ተመዛበልቲ ካምፕ በብሰሙኑ ብዙሓት ስድራታት ይውሕዙ ስለዘለው ናይ መምሀሪ ክፍልታት ይፀብብ ኣሎ።መምህራን ውን ኣብ ነዊሕ ግዜ ቀዋሚ ትምህርቲ ክህነጽ ኣለዎ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG