ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ተናዊሑ ዝጸንሓ ሃገራዊ ምርጫ ሎሚ ተኻይዱ


ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጲያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተናዊሑ ዝፀንሐ ምርጫ ሎሚ ሶኑይ ተኻይዱ ። ኢትዮጵያውያን እዋን ስልጣኖም ተናዊሑ ዝፀንሐ ወከልቲ ሃገራዊ ቤት ምኽርን ክልልን ንምትካእ ድምፆም ሂቦም ። ካብቶም 547 ክልላት ምርጫ ኣብቶም 478 ጣብያታት ምርጫ'ዩ ተከፊቱ ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ይካየድ ዘሎ ኲናትን ምዝንባላት ህዝብን ፣ ኣብ ክልላት ሶማሌን ዓፋርን ብዘሎ ዝተወሰነ ዘይምርግጋኣት ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሞን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ብዘሎ ዓሌታዊ ጎንፅታት ስዒቡ ምርጫዘይተኻየደሎም ከባቢታት እዮም ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነቲ ምርጫ ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ክብሉ ይገልፅዎ ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መረፅቲ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ኣብ ናቁጣታት ምርጫ ምርኻቦም ገለ ኑቑጣታት ኣብ ጊዚኣን ከምተኸፍታ ገለ ግን ድማ ደንጉዮም ምኽፋቶም ተገሊፁ ።

ኣብ ጣብያታት ምርጫ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመረፃ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ እዚ ምርጫ ካብቶም ዝሓለፉ ብዝሐሸ መልክዑ ዴሞክራሲያዊ ከምዝኸውን ዘለወን ተስፋ ገሊፃን ።

ኣቦ መንበር ፓርቲ ኢዜማ ፕሮፊሴር ብርሃኑ ነጋ ኣብዛ ሃገር እቲ ፈላማይ ብትክክል ዝተኻየደ ምርጫ እዚ እዩ ኢሎም ። ውፅኢቱ እንታይ ከምዝኸውን ክንፅበ ኢና ክብሉ ንሪፖርተራት ገሊፆምሎም ።

ኣቦ መንበር ተዓዛባይ ምርጫ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበርን ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ምርጫ ኢትዮጵያ 2021 ክንድቲ ዝድላዩ ኣማሊኡ'ዩ ኢሎም። ንሶም ሎሚ ኣብ ሓደ ጣብያ ምርጫ ተረኺቦም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ "እዚ ምርጫካብቶም ቅድም ኢሎም ዝተኻየዱ ተሳተፍቲ ኣብ ምዕዳም ዝሐሸ ምንባሩ" ተዛሪቦም።

ኣደ መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ቡርትኳን ሚደቅሳ ብዛዕባ ከይዲ ቆፀራ ድምፅን ዝነበሩ ሓደሓደ ዕንቅፋታት ኣመልኪተን ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂበን::

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ብሰላማዊ መንገዲ ዝተሳለጠ ኮይኑ ኣብ ሓደሓደ ጣብያታት ምርጫ ግና ሕፅረታት ወረቀት ምርጫ ብምግጣሙ መረፅቲ ድምፆም ከይሃቡ ክምለሱ ኺኢሎም ክብሉ ንንድምትሲ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ሓደሓደ ተወዳደርቲ ፖለቲካ "ብምኽንያት ሕፅረት ቀረብ ዜጋታት ናይምምራፅ መሰሎም ተኸሊኦም " ኢሎም።

ኣደ መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብርቱኳን ሚደቅሳ ብወገነን ኣብ ኩሉ ከባቢ ንዘጋጠመ ሕፅረታት ቀረብ ይቅሬታ ሓቲተን መአረምታ ክውሰድ ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG