ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር 2.8 ሚልዮን ምብጽሑ ዩኒሴፍ ሓቢሩ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት አድሕን ( ዩኒሴፍ) ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ካብ 1.6 ሚልዮን ናብ 2.8 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ ልዕሊ 920 ሽሕ ዝኾኑ መብዛሕትኦም ሶማልያዊያን፡ ደቡብ ሱዳናዊያንን ኤርትራዊያንን ስደተኛታት ተተአናግድ አላ ኢሉ’ሎ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ እዋን ክረምታዊ ውሕጅ ብምዃኑ 2.5 ሚልዮን ሰባት በዚ ክጽለው ትጽቢት ተጌሩ’ሎ ዝበለ ዩኒሴፍ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ካብቲ ዘለዎ ንላዕሉ ክውስስኽ ከምዝኽእል’ውን ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG