አዲስ አበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ካብ ዝተመርመሩ 442 ሰባት: ትሸዓተ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ካብ መንጎ`ቶም ትሸዓተ ሰባት ሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ኸለዉ- እተን ክልተ ድማ ሓንቲ ናብ ዱባይ ትመላለስ ጓል 40 ዓመት ኤርትራዊትን ጓል 20 ዓመት ናብ ኣመሪካ ትመላለስ ህንዳዊት`የን ።
ኣብ ኢትዮጵያ: ንልዕሊ 3,000 ሰባት መርመራ ዝተገብረ ክኸውን ከሎ- ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰለስተ ሰባት ምምዝጋቦም ሚንስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ’ሎ ።