ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ  ናብ 655 ክብ ምባሉ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት 225 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም። ከም ሓበሬታ ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር እቲ ቁጽሪ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ዝተመዝገበ ዝለዓለ`ዩ። ኩሎም ድማ ምስ ዝሓመመ ሰብ ናይ ምርኻብ ወይ ንወጻኢ ናይ ምግያሽ ታሪኽ ዘይብሎም ብምዃኖም ካልእ ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ ሰብ-ሞያ ጥዕና ይገልጹ`ለዉ።

ኣብ ከተማ ደሴ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ሓደ ውልቀሰብ- ተረኺብዎ- ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ- ውልቀሰብ ናብ ጅቡቲ ዝመላለስ መራሒ መኪና ምዃኑ ተሓቢሩ`ሎ።

በዚ ምኽንያት ምስኡ ርክብ ኔርዎም ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም ዝተባህሉ 75 ሰባት ናብ መፍለዪ ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝትታሕዙ ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን፥​ ምስ`ቶም ሕሙማት ርክብ ኔርዎም ዝተባህሉ ሰባት ናይ ምፍላይ ስራሕ ይስራሕ ከምዘለዎ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ`ቶም ክውሸቡ ተገይሩ ዘሎ፥ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ቤተ-ሰብን ይርከብዎም።

​ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ንክሕከሙ ሆስፒታል ዝኣተዉ ክልተ ሰባት፥ ብጥርጣረ ምስተመርመሩ`ዮም እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም። ንሳቶም ናብ ወጻኢ ናይ መገሻ ኾነ ምስ ዝሓመሙ ናይ ምርኻብ ታሪኽ ዘይነበሮም ምዃኖም`ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ናብ 27 ክብ ከምዝበለ`ውን ኢንስቲቱት ጥዕና`ቲ ኽልል ኣፍሊጡ`ሎ- ።

XS
SM
MD
LG