ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 92 በጺሑ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 401 ሰባት መርመራ ቫይረስ ኮሮና ተኻይዱ ካብኣቶም ሸውዓተ’ቲ ቫይረስ ከምዝተረኽቦም ተሓቢሩ።በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ 92 በጺሑ`ሎ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ጎንደርን ደብረ-ማርቆስን መሳርሕታት ጽሬት ከፍርያ ከለዋ ካልኦት ድማ ኣብ ምክልኻል ዝጠቅም መርመራታት የካይዳ`ለዋ ከም ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣባላት ጉጅለ ባህልን ትያትርን ግንዛበ ቫይረስ ኮሮና ንምጭባጥ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ምምሕዳራትን ብምርኻብ እቲ ሕብረተሰብ ብመንግስቲ ንዝተሓላለፉ ዘለዉ ምኽርታት ክሰምዕ ኣተሓሳሲቦም።

ብፍላይ ምስ ፋሲካ ብዝተሓሓዝ፥ ጥረ ስጋ ካብ ምምጋብ ክቑጠቡ`ውን ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ሕጂ`ውን ኣብ ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ግንዛበ ትሑት ምዃኑ ዝገለጹ እቶም ኣባላት፥ ጥዕናና ንምሕላው መንግስቲ ዘቐመጦም መምርሕታት ክትግበር ግድን`ዩ ይብሉ።

ኣብ ደቡባዊ ክልል ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ምምሕያሽ ተገይርሉ- እንተኾነ ሕጂ`ውን ህዝቢ ንኮቪድ 19 ከይቃላዕ ዝተወሃሃደ ቁጽጽርን ክትትልን ከምዝግበር ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ኣቶ ርስቱ ይርዳው ኣፍሊጡ። ጽባሕ ኣብ ዝኽበር ዓርቢ ስቕለት`ውን ህዝቢ ተረሓሒቑ ክሰግድ ኣዘኻኺሩ`ሎ።

ንበዓል ፍሲካ ኣሳቢቦም ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝወሰኹን ናይ ቀረባት ጸገም ኣብ ልዕሊ ዝፈጠሩን ሰባት ድማ ተሪር ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ንሰበ-ስልጣን ዝጠቐሰ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣዋሳ ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG