ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 14,547 ምምዝጋቡ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7009 ሰባት መርመራ ኮቪድ 19 ተካይዱ እቶም 579 እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ታ ሃገር ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ሰባት 14,547 ከምዝበጽሐን 7,931 ክንክን ይረኽቡ ከምዘለውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ,

ሚኒስትር ጥዕና66 ኣብ ጽዑቅ ክንክን 170 ድማ ካብ’ቲ ቫይረስ ተገላጊሎም ይብል ። ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ልያ ታደሰብሓፈሽኡ 6,385 ሰባት ክሳብ ሎሚ ካብ’ቲ ቫይረስ ድሒኖም ኣለው ኢለን ።

ንሰን ወሲኸን ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 5 ሰባት ብሰንኪ ብኮቪድ 19 ምሟቶም ኣው’ውን ኢለን። ክሳብ ሎሚ 228 ሰባት ብኮቪድ 19 ምሟቶም ሓቢረን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG