ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 133 ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ አብ’ዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 912 ሰባት ድሕሪ ዝተካየደ መርመራ 2 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽቦም ተሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት’ዚ አብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝሓዞም ሰባት ብዝሖም 133 ከምዝበጽሐ ሚኒስትር ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቶም ኮሮና ቫይረስ ዝተረኸቦም ክልተ ሰባት፣ እቲ ሓደ ካብ ኬንያ ዝሰገረ ወዲ 25 ዓመት፣ እቲ ካልኣይ ካብ ፑንትላንድ ዝመጸ ወዲ 20 ዓመት ከምዝኾኑን ኣብ መወሸቢ ማእከላት ከምዝርከቡ’ቲ ሚንስትሪ ወሲኹ ሓቢሩ ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሽኡ 18,754 ሰባት ምርመራ ኮሮና ቫይረስ ተገይሩሎም ኣሎ ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ እዋን ኮረና ቫይረስ ድሕነት ሰራሕተኛታት ንምርግጋጽ ዘሕግዝ ‘ኮቪድ 19ን ናይ ስራሕ ስፍራን ዝብል ስሉሳዊ ፕሮቶኮል’ ይትግበር ከምዘሎ ሚንስትሪ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ሚንስትር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ዶ/ር ኤርጎጌ ተስፋዬ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ‘ውሕስና ስራሕ ዜጋታት ንምሕላው ኣብ’ዚ ክፉእ ጊዜ ካብ ስራሕ ንከይባረሩ ተበግሶታት ከምዘለው’ ጠቂሰን።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ መንቀራቅሮ ኣትዮም ዘለው ኢትዮጵያዊያን አብ ዘዘለውዎ ኮይኖም ሓገዝ ክረኽቡ ምድላው ይሳለጥ ከምዘሎ እተን ሚንስትር ገሊጸን ።

XS
SM
MD
LG