ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ናብ ክብ 82 ምባሉ ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ሸሞንተ ሰባት ብ ቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ሚንስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ማሕበረሰብ ጥዕናን ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም።ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ምርመራ ካብዝተገበረሎም 447ሰባት 8 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎም ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ናብ 82 ደይቡ ኣሎ።

እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሓሙሽተ ኢትዮጵያዊያን፣ሓደ ኤርትራዊ፣ሓደ ሶማልያዊያን ካልእ ሓደ ድማ ኢንግሊዛዊ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ 53 ተወሺቦም ክንክን ይግበረሎም ዘለው 14 ዝሓወዩ 3 ድማ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG