ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ምህላው ሚንስትሪ ጥዕና'ታ ሃገር ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝርኣይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተቖጸረሉ እዋን፥ ነቲ ዝርግሐ ለበዳ ንምቁጽጻር ሓያለ ዕቱብ ስራሕ እንተ ተሰርሐ`ኳ ቁጽሪ ዝተታሕዙ ይውስኽ ከምዘሎ ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምክልኻል ኮሮና ሸለልትነት የርኢ ስለ-ዘሎ፥ በቲ ካልእ ወገን ድማ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ስለ ዘሎ እቲ ናህሪ ጠጠው ክብል ከም ዘይክኣለ ዝገልጽ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ፥ ሕጂ ግን ንኣስታት 17 ሚልየን ሰባት ዝቐንየ ጎስጓስን፥ ንልዕሊ 200 ሺሕ ንምኽታብን ይስራሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ህንዲ ልዕሊ 50,000 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ። ትማሊ ሰንበት ጥራሕ 900 ዝሞቱ ሰባት ምምዝጋባ ትገልጽ ልዕሊ ሓደ ቢልየን ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ህንዲ: ኣብ ዓለም ድሕሪ ኣሜሪካ፣ ብራዚልን ሜክሲኮን`ያ ተሰሪዓ’ላ ።

ኒውዝላንድ ንልዕሊ 100 መዓልታት ብዘይ ኮሮናቫይረስ ክትሕበን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተታሕዙ ድሕሪ ምርካብ ንመስከረም ሓሲባቶ ዝነበረት ምርጫ ናብ ጥቅምቲ ኣሰጋጊራቶ`ላ። ።

ደቡብ ኮርያ`ውን ሓዲሽ መትሓዝቲ ኣውሪደዮ ክትብል ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሰኑይ 197 በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ድሕሪ ምርካባ ኣብ ከተማ ሲኦል ምቁጽጻር ክተሐይል ወሲና`ላ።

ጃፓን ድማ ጉድኣት ቁጠባ አጋጢሙኒ’ሎ ትብል: እዛ ካብ ዓለም ብዕብየት ኤኮኖሚ ሳልሳይቲ ትስራዕ ሃገር፥ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ቁጠባ ብ27.8 % ከምዝጎደለ ሎሚ ኣብ ዘውጽኣቶ ኣሃዝ ሓቢራ`ላ። ከምዚ ዓይነት ውድቀት ቁጠባ ኣብ ጃፓን ከጋጥም ድሕሪ 1980 ንመጀመርያ ግዜ`ዩ ።

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካድማ፥ ክኢላታት ተላገብቲ ሕማማት፡ ብኮሮና ቫይረስ ተታሒዙ ዝሓወየ ሰብ፥ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ኣይትሓዝን`ዩ ይብሉ`ለዉ። ኣብ ማእከል ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካበዓል-ስልጣን ዝነበረ ዶ/ር ስካት ጎትሌብእንተኾነ ግን ኣብ ሰባት ዘሎ ናይ ተጸዋረንት ዓቕሚ ስለ-ዝፈላለ እቲ ግዜ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ክኸውን ይኽእል`ዩ ኢሉ።

ካብ ዓለም ዝበዝሐ ሞት ኮሮናቫይረስ 170 ሺሕ ዝመዝገበት ኣመሪካ`ያ።

XS
SM
MD
LG