ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ምውሳኹ ተገሊጹ


ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ
ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ለበዳ ኮቪድ19 ካብ 3% ናብ 20% ምድያቡ ሚንስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ልዕሊ 8,000 ምብጽሑን እቲ ሽፋን ዝርግሐ ምውሳኹን ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ`ላ።

እታ ሚንስተር ኣተሓሒዛ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ19 ብዘይተጸበየ ኩነታት ብምውሳኹ፡ ብጽኑዕ ሓሚሞም ክትትል ዝግበረሎም ዘሎ ተሓከምቲ ልዕሊ 140 ሰባት ምብጽሑ ሓቢራ።

ኣብ ራብዓይ ማዕበል ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘሎ ቫይረስ ፈልቂ ኦሚክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዉን ዘይምህላዉን ግን ገና ብሰብ-ሞያ መርመራ ይግበር ምህላዉ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ሓቢራ`ላ።

XS
SM
MD
LG