ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዘይተኻየደሎም ገለ ክልላት ጽባሕ ምርጫ ክካየድ'ዩ


ኣብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን  ሶሊያና  ሽመልስ 
ኣብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን  ሶሊያና  ሽመልስ 

ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዘይተኻየደሎም ከባቢታት ፅባሕ ሓሙስ ድምፂ ከምዝወሃብ ኣብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ሶሊያና ሽመልስ ገሊፀን::

ብመሰረት ፀብፃብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ሃረሪን ሶማሊያን ከምኡ'ውን ፅባሕ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዝወሃበሉ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ስራሕ ክዕፀው እዩ ኢለን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብዝሒ ቁፅሪ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ዝሓዘ ክልል ሃረሪ ፅባሕ ሓሙስ ምርጫ ከካይድ እዩ ። ምስ ቦርዲ ምርጫ ብዝነበሮም ዘይምስምማዓት ኣብ ቤት ፍርዲ ክከራኸሩ ብምፅነሖም ተናዊሑ ዝፀንሐ ከይዲ ምርጫ ከካይድ እዩ:: ኣብቲ ፅባሕ ዝካየድ ምርጫ ሸውዓተ ፓርቲታት ፖለቲካ ክወዳደሩ እዮም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG