ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ጸገማት ስራሕ ኣቋሪጾም ዝነበሩ ኢንዳስትሪታት ስራሕ ምጅማሮም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጸገማት ስራሕ ኣቛሪጾም ዝነበሩ ፋብሪካታት ስራሕ ምጅማሮም ሚንስተር ኢንዳስትሪ ኣቶ መላኩ ኣልበል ገሊጾም።

ወነንቲ ፋብሪካታት ግና፣ ገና ዘይተፈትሑ ዝተፈላለዩ ጸገማት ሎሚ’ውን ኣለና ይብሉ።

ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝተካየደ መድረኽ ልዝብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቅረቡ ኣማኻሪ ሚንስተር ኢንዱስትሪ ኣቶ ኣስፋው ኣበበ "6.8 ብጽሒት ሃገራዊ እቶት ዝሓዘ ዓውዲ ኢንዱስትሪ፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ዓሰርተ ዓመታት፣ ብሰለስተ ዕጽፊ ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ"ኢሎም።

ብደረጃ ሃገር 440 ኢንዱስሪታት ስራሕ ኣቛሪጾም ከምዝነበሩ፣ ካብ ሞንጎኦም እቶም 189 ናብ ስርሖም ምምላሶም ኣቶ መላኩ ወሲኾም ገሊጾም።

ብሕጽረት ሸርፊ ወጻኢን ብሰንኪ ዓለምለኸ ተጽዕኖን ንዝላዓሉ ጸገማት ንምፍታሕ ከምዘይተኻኣለ ሰበ ስልጣን ሚንስትሪ ኢንዱስትሪ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG