ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ማዕበል ቫይረስኮሮና ምልዓሉ ሚኒስትሪ ጥዕና'ታ ሃገር ገሊጹ


ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ 19 ከምዝተላዓለ ሚኒስትር ጥዕና’ታ ሃገር ሎሚ ኣፍሊጡ። ብሕልፊ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ናህሪ ዝርግሓ ኣዝዩ ተጋዲዱ ከምዘሎ’ውን እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ተገኔ ረጋሳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይኽሰት ዘሎ ማዕበል፣ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ዴልታ ዝተባህለ ዓይነት ቫይረስ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ኣይተኻኣለን ይብሉ ።

ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ዝርጋሐ ኮቪድ 19 ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓደ ሚእታዊት ጥራሕ ነይሩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ሸሞንተ ሚእታዊት ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ማለት ይብሉ ዶ/ር ተገኔ "ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ 19 ከምዝተላዓለ ሓባሪ እዩ" ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዛጊት 284,500 ሰባት ብኮቪድ 19 ሓሚሞም፣ 4,430 ሞይቶም፣ 264,673 ድማ ካብ’ቲ ቫይረስ ምሕዋዮም ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG